Skip to content
TOPSHOT-SUDAN-ETHIOPIA-CONFLICT-REFUGEE

Genocide in Tigray: Serious breaches of international law in the Tigray conflict, Ethiopia, and paths to accountability – Translation in Tigrinya

ፅማቝ ሓሳብ ንፈፀምቲ

1. ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ብምውካል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ንዕኦም ተኣመንቲ
ዝኾኑ ጉጅለታትን፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ኢሉ እውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት)፣
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ንዕኦም ተኣመንቲ ዝኾኑ ሓይልታትን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝፈፀሙዎም
ተግባራት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነትን ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰልን ከም ዝጠሓሱ ዘረጋግፁ ብዙሓት፣
መጠነ-ሰፋሕትን ተኣመንትን ዘይሸራውያን ፀብፃባት ኣለዉ እዮም፡፡

2. እዞም ጥሕሰታት እዚኣቶም ፍፃመታት ገበናት ኲናት ከምኡ ድማ/ወይ ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ዝባሃሉ
ከም ዝኾኑ ንምእማን ዘኽእል ምኽንያታዊ መበገሲ ኣሎ እዩ፡፡ እዚኣቶም ኣብ ሓበራዊ ዓንቀፅ 3 ስምምዓት
ጄኔቫ ዝተኸልከሉ ተግባራት ሓዊሱ ብዙሓት ፍፃመታት ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፣ ከምኡ ድማ ጥሕሰታት
ግቡኣት ፈሊኻ ምጥቃዕን ምጥቃም ተመጣጣኒ ሓይልን ዘጠቓልሉ እዮም፡፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ዘለዉ
መርትዖታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘይዓለምለኻውያን ብረታዊ ጎንፅታት እውን ማዕረ ተፈፃሚ ብዝኾነ ልማዳዊ
ዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ብዘለዋ ግቡእ መሰረት ብዜጋታታ ወይ ብዕጡቓት ሓይልታት ወይ ድማ ኣብ
ግዝኣታ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ናይ ምፅራይ፣ ኣድላዪ እንትኸውን ድማ ጥርጡራት ፈፀምቲ ገበን
ናይ ምኽሳስ ግቡኣታታ ንምፍፃም እኹላት ፃዕርታት ከም ዘይገበረት ዘመላኽቱ እዮም፡

3. ብፍላይ እዚ ፀብፃብ እዙይ ካብቶም ዝተፈፀሙ ተግባራት ዝተወሰኑ ወይ ኩሎም መመዘኒ ገበን ፅንተት
የማልኡ ዶ ኣየማልኡን ዝብል መርሚሩ እዩ፡፡ እዙይ ፅንተት ምፍፃሙ እንድሕር ተረጋጊፁ ክህሉ ዝኽእል
ውልቃዊ ተሓታትነት ጥራሕ እንተይኮነ ብመሰረት ብ1940 ዓ.ም. ዝፀደቐ ስምምዕ ምክልኻልን ምቕፃዕን
ገበን ፅንተት (ድሕሪ ሕዚ ስምምዕ ፅንተት ዝባሃል) (ኢትዮጵያ ናይዚ ስምምዕ ፈላሚት ፈራሚት እያ፣
ካብ 24 ሰነ 1981 ዓ.ም. ጀሚራ ድማ ኣባልነታ ዘፅደቐት ሃገር እያ) ዘለዉ ግቡኣትን ተተሓሒዞም ዝለዓሉ
ተሓታትነታትን ስለ ዘመላኽት ኣገዳሺ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ፣ ኢትዮጵያ ብመሰረት ልማዳዊ ዓለምለኸ ሕጊ
ተመዓራረይቲ ግቡኣት ኣለዉዋ፡፡

4. እዚ ፀብፃብ እዙይ ሕዚ ብዘለዉ መርትዖታት መሰረት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ
ሓይሊ ኣምሓራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ፅንተት ከምዝፈፀሙ ንምእማን
ዘኽእል ምኽንያታዊ መበገሲ ከምዘሎ ደምዲሙ እዩ፡፡

5. እንተነኣሰ ዝተወሰኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ወይ ምስ ፌዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ
ዝተኣሳሰሩ ሲቪል ሰበ ስልጣን፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ወይ ድማ ምስ ተዛመድቲ ሓይልታት ምልሻ
ዝተኣሳሰሩ ሲቪል ሰበ ስልጣን፣ ከምኡ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንተጋሩ ብመንነቶም ከም
ብሔራዊ ጉጅለ ናይ ምጥፋእ ሓሳብ ከም ዝነበሮም ንምእማን ዘኽእል ምኽንያታዊ መበገሲ ኣሎ እዩ፡፡

6. እቲ ኣብ ላዕላይ ዝተገለፀ ሓሳብ ሒዞም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊ
ኣምሓራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ገበን ፅንተት ዘረጋግፁ ኣርባዕተ ተግባራት፡ ንተጋሩ ምቕታል፣
ከቢድ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ መጉዳእቲ ምብፃሕ፣ ጥፍኣቶም ብምዕላም ንተጋሩ ኮነ ኢልካ ኣብ
ሕሱም ኩነታት ሕይወት ክወድቁ ምግባር፣ ከምኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ወሊድ ከይህሉ ንምኽልካል
ዝዓለሙ ስጉምትታት ናይ ምውሳድ ተግባራት ከም ዝፈፀሙ ንምእማን ዘኽእል ምኽንያታዊ መበገሲ
ኣሎ እዩ፡፡

7. እንተነኣስ ብዝተወሰኑ ውልቀሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተዋሂቦም ዝተባህሉ መግለፅታት ዘርኢ
ፅንተት ንኽፍፀም ቐጥታውን ህዝባውን ናይ ምልዕዓል ተግባር ተፈፂሙ እዩ ንምባል ክማልኡ ዝግብኦም
መለክዕታት ዘማልኡ ከምዝኾኑን፣ ዘርኢ ፅንተት ንምፍፃም ክማላእ ዝግብኦ ዘርኢ ፅንተት ናይ ምፍፃም
ሓሳብ ኣማሊኦም ዝተፈፀሙ ከምዝኾኑን ንምእማን ዘኽእል ምኽንያታዊ መበገሲ ኣሎ እዩ፡፡

8. ግድን እዚ ተግባር ንኽፍፀም ስሩዕ ትልሚ ነይሩ እዩ ወይ ድማ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብቶም ተግባራት
ተሳቲፎም እዮም ምባል እኳ እንተዘይተኻእለ፣ እዙይ ኢትዮጵያ ከም ዓዲ ብዘለዋ ተሓታትነት መሰረት
እዞም ተግባራት ናብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ናይ ምምፃእ ዘለዎም ተኽእሎ ዝኽልክል ኣይኮነን፡፡

9. ካብዚ ብዝሓለፈ፣ እቲ ዘርኢ ፅንተት “ኣብ ብርኪ ታሕተዋይ መዋቕር” ዝተፈፀመ እኳ እንተዝኸውን ነይሩ፣
ብተወሳኺ ድማ ከም ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ይተሓሓዝ ኣይተሓሓዝ ብዘየገድሽ፣ ኢትዮጵያ ከም ሃገር
ብዓለምለኸ ሕጊ ተመሳሰልቲ ተግባራት ከይፍፀሙ ናይ ምክልኻል ግቡኣ ከም ዘይፈፀመት ንምእማን
ዘኽእል ምኽንያታዊ መበገሲ ኣሎ እዩ፡፡ እዚ ጉድለት እዙይ ተግባራት ዘርኢ ፅንተት ናይ ምፍፃም ቅሉዕን
ከቢድን ሓደጋ ብቐፃልነት ንኸንፀላሉ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ፣ ኢትዮጵያ ነዞም ተግባራት ገበን
እዚኣቶም ናይ ምቕፃዕ ግቡኣ ከም ዘይፈፀመት ንምእማን ዘኽእል ምኽንያታዊ መበገሲ ኣሎ እዩ፡፡

10. ብዝኾነ ኩነታት፣ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝህሉ ተሓታትነት ዘለዉ ሕቶታት ብዘየገድሽ፣ ነቶም ኣብ ላዕላይ
ዝተገለፁ ተግባራት ተሓተትቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ብውልቆም ብገበን ተሓተትቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡፡
ብርግፅ፣ እቶም ዝግለፁ ዘለዉ ተግባራት መለክዕታት ገበን ፅንተት ኣየማልኡን እንተዝባሃሉ እውን፣
እቶም ፍሉይ ክብደትን ስፍሓትን ዘለዎም ገበናት ሓዊስካ ብገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ከምኡ ድማ/ወይ
ገበናት ኲናት ከሕትቱ ዘለዎም ተኽእሎ ግን ብጣዕሚ ዝለዓለ እዩ፡፡ እዚኣቶም ምስቓይን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግራት ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን፣ ከምኡ ድማ ሰላማውያን ብሕይወት ንኽፀንሑ ወሰንቲ
ዝኾኑ ነገራት ብምኽልካል ዝተፈፀመ ተግባር ገበን ኲናት ዝኾነ ንዓፀቦ ምቅላዕ የጠቓልሉ፡፡

11. በዙይ መሰረት፣ ዓድታት ነዞም ዝስዕቡ ከተግብራ ይግባእ፡-

11.1 እንተነኣሰ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንፃር ተጋሩ ዘርኢ ፅንተትን ካልኦት ተዛመድቲ ተግባራትን ከም
ዝተፈፀሙ፣ ከምኡ ድማ ነዞም ተግባራት ዝህሉ ተሓታትነት ከም ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ
ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ንምእማን ዘኽእል ምኽንያታዊ መበገሲ ከምዘሎ ኣፍልጦ ምሃብ፤
ከምኡ ድማ፣

11.2 ኢትዮጵያ ከም ዓዲ ንዘርኢ ፅንተትን ካልኦት ተዛመድቲ ተግባራትን ተሓታቲት
እንተዘይኮነት እውን እንተነኣሰ ግን ነቶም ዝተፈፀሙተግባራት ከይፍፀሙናይ ምክልኻልን
ምስ ተፈፀሙ ናይ ምቕፃዕን ግቡኣ ከም ዘይፈፀመት ንምእማን ዘኽእል ምኽንያታዊ
መበገሲ ከምዘሎ ኣፍልጦ ምሃብ፤

11.3 ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ካልኦት ዓድታት ዝህልዉዎም ክልተኣዊ ዝምድናታት ምስ እዞም
ኣብ ላዕላይ ዝተገለፁ ነባራዊ ኩነታት ክጠዓዓሙምግባር፤

11.4 ከከም ኣድላዪነቱ ብመሰረት ዓንቀፅ 9 ስምምዕ ዘርኢ ፅንተት ኣብ ቅድሚ ዓለምለኻዊ ቤት
ፍርዲ ፍትሒ መሰማዕታታት ምቕራብ ሓዊሱ ብውልቀአን ክወስዶኦም ዝግብኡወን
ስጉምትታት ክወስዳ፤

11.5 እቶም ዝተፈፀሙ ተግባራት ብዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበን ወይ ብኻልእ ዝምችው ኣግባብ
ዓለምለኻዊ፣ ናፃን ዘይሸራውን ዝኾነ ምፅራይ ንኽግበረሎም ንምርግጋፅ ኣብ ዝህሉዉዎም
ሕብረ-ተዛምዶኣዊ መድረኻት ግቡኣት ስጉምትታት ክወስዳ፤ ከምኡ ድማ፣

11.6 ዘርኢ ፅንተት ከምኡ ድማ ገበናት ኣንፃር ሰብኣውንትን ገበናት ኩናትን ዝኣመሳሰሉ
ተግባራትን ፈፂሞም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ብመሰረት ተፈፃምነት
ዘለዎም ዘቤታዊ ሕግታተን ዓለምለኻዊ ስልጣን ዳንነት ኣብ ተግባር ምውዓል፡፡

The views expressed in this article are those of the author and not an official policy or position of New Lines Institute.

Authors

Contributors
Footnotes